Till sidans huvudinnehåll

ጾታዊ ርክብ፡ ኣካላትን ጥዕናን ብትግርኛ

ናይ ትግርኛ ማተርያል ኣውሪድኩም ጸዓኑ

ኵሉ ሰብ ዝዛረቦ ቋንቋ ብዘየገድስ ብዛዕባ ኣካላቱን ጥዕናኡን ፍልጠት የድልዮ እዩ። ስለዚ እዩ ኣር.ኤፍ.ኤስ.ዩ ንዓኻ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ ብዛዕባ ኣካላት፡ ጾታዊ ርክብን ዝምድናን ፊልምታት ኣዳልዩ ዘሎ።

ንርእስኽን ንጥዕናኽን ክትከናኸኒ ንኽትክእሊ ክትፈልጥዮ ጽቡቕ ዝኾነ ትሕዝቶ ዘለዎም 17 ፊልምታት ኣለዉ። ብዛዕባ ኣካላትኪ ንኣብነት ብዛዕባ ጻግነ፡ ጥንሲን ሕርሲ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝፍጸምን ክትምሃሪ ክትክእሊ ኢኺ። ንጾታዊ ርክብ ከመይ ጌርኪ ክትሕጎስሉ ከም ትኽእሊ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከመይ ጌርኪ ከም ተወግዲን ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዘቘንዙ እንተ ኾይኑ እንታይ ክትገብሪ ከም ትኽእልን ክንሕብር ኢና።

ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ፡ ክብርን ምኽንሻብን እውን ሓበሬታ ትረኽቢ። ከምኡ’ውን ክንክን፡ ምኽርን ሓገዝን ንምርካብ ምስ መን ከም ትራኸቢ ክትፈልጢ ክትክእሊ ኢኺ።

ጻግነ

ጻግነ ንኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ዝመጸን ካብ ርሕሚ ዝወጽእ መድመይቲ እዩ። ኣብዛ ፊልም፡ ጻግነ እንታይ ምዃኑ፡ ኣየኖት መከላኸሊ ጻግነ ክትጥቀሚ ከም ትኽእልን፡ ጻግነ ኣብ ዝመጻኪ እዋን ቃንዛ ምስ ዝህልወኪ እንታይ ክትገብሪ ከም እትኽእልን ክትፈልጢ ኢኺ። ከምኡ’ውን ኣበየናይ ግዜ ናይ ወርሒ ጥንሲ ክትሕዚ ከም ትኽእሊ ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ።

መከላኸሊ ጥንሲ

እዛ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ እትገልጽ ፊልም፡ ከይጠነስኪ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ እንተ ደሊኺ ከመይ ክትገብሪ ከም ትኽእሊ እያ እትገልጽ። ካብ ዘይተደልየ ጥንሲ ዝከላኸሉልኪ ንኣብነት ከም ከኒና መኸልከል ጥንስን ኣይ.ዩ.ዲ (ስፒራል) ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ከምኡ’ውን ኮንዶም ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ካብ ዘይተድልየ ጥንስን ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ይከላኸለልኪ እዩ።

ምንጻል ጥንሲ

እዛ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እትገልጽ ፊልም፡ ነፍሰ ጾር እንተ ዄንኪ ግን ቈልዓ ክትወልዲ ዘይደሊኺ እንታይ ክትገብሪ ከም እትኽእሊ እያ። ምንጻል ጥንሲ፡ ንሓደ ጥንሲ ከም ዘቋርጽ ምግባሩ ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን ኵለን ደቀንስትዮ ክሳብ ናይ ጥንሲ መበል 18 ሰሙን፡ ጥንሲ ናይ ምንጻል መሰል ኣለወን። ድሕሪኡ እውን ጥንሲ ክትንጽሊ ትኽእሊ ኢኺ፣ ሽዑ ግን ፍሉይ ምኽንያት ክህልወኪ የድሊ። ምንጻል ጥንሲ ሓደገኛ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ህይወትኪ ዋላ ጥንሲ ነጽሊ ክትጠንስን ቈልዓ ክትወልድን ትኽእሊ ኢኺ።

ጥንሲ

እዛ ብዛዕባ ጥንሲ እትገልጽ ፊልም፡ ብኸመይ ከም እትጠንስን ኣየኖት መዓልታት ኣብ ወርሒ ጥንሲ ክትሕዚ ከም ትኽእልን እያ። እቶም ጥንስቲ ምዃንኪ ዝሕብሩ ምልክታት ከም ንኣብነት ኣጥባትኪ የሕመኪ፡ ዕግርግር የብለኪ ወይ ጻግነ ምምጻእ የቋርጸኪ ዝኣመሰሉ ኣየኖት ምዃኖም እውን ክትፈልጢ ኢኺ። ከምኡ’ውን ጥንስቲ ምዃን ኣቋሪጽኪ ነቲ ጥንሲ ክትንጽልዮ እንተ ደሊኺ እንታይ ክትገብሪ ከም እትኽእሊ ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ።

ሕርሲ

እዛ ብዛዕባ ሕርሲ እትገልጽ ፊልም፡ ኣብ ሽወደን ቈልዓ ክትወልዲ ከለኺ ማለት ካብቲ ሕማም ሕርሲ ዝጀመረሉ ክሳብ እቲ ህጻን ዝውለደሉ ብኸመይ ከም ዝፍጸም እያ እትገልጽ። ከመይ ገርኪ ከም ትቀራረቢ፡ ከምኡ’ውን ተገሪዝኪ ወይ ተኸንሺብኪ እንተ ዄንኪ ቅድሚ እቲ ሕርሲ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረኽቢ ከም እትኽእሊ ክትፈልጢ ኢኺ። ብመጥባሕቲ እንተ ዄንኪ ክትሓርሲ፡ ብኸመይ ከም ዝግበር እውን ሓበሬታ ክወሃበኪ እዩ።

ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ ግዜ

ድሕሪ ሕርሲ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣካላውን ኣእምሮኣውን መዳይ ዓቢ ምቅይያር ዘጋጥመሉ እዋን እዩ። ኣብዛ ፊልም ቈልዓ ምስ ወለድኪ ኣብ ኣካላት እንታይ ከም ዘጋጥም፡ ነቶም ልሙዳት ሕማማት ከመይ ጌርኪ ከም ተዐግስዮምን ድሕሪ ሕርሲ ጸገም ምስ ዘጋጥመኪ ምስ መን ርክብ ክትገብሪ ከም ትኽእሊን ክትፈልጢ ኢኺ።

ብልዕቲ ጓለንስተይቲ

ኣብዛ ብዛዕባ ብልዕቲ ጓልንስተይቲ ትገልጽ ፊልም፡ ሕምሲን ርሕሚን ከመይ ከም ዝመስልን ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ክትፈልጢ ኢኺ። ከምኡ’ውን ስምዒትኪ ክለዓለኪ ከሎ ኣብ ብልዕቲ እንታይ ከም ዘጋጥም፡ ግዝረት ወይ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ እንታይ ማለት ምዃኑን ኣብ ምሉእ ህይወት ብልዕቲ ብኸመይ ከም ዝቀያየርን ክትመሃሪ ኢኺ።

ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ

ኣብዛ ብዛዕባ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ትገልጽ ፊልም፡ መትሎን ኣስኪትን ከመይ ከም ዝመስልን ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ክትፈልጥ ኢኻ። ምኽንሻብ ወዲ ተባዕታይ እንታይ ማለት ምዃኑን ኣብ ምሉእ ሂወት ብልዕቲ ብኸመይ ከም ዝቀያየርን ክትፈልጥ ክትክእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ምውታር እንተ ኣብዩካን ምኽንያቱ ንምፍላጥን ምስ መን ርክብ ክትገብር ከም እትኽእል ክትፈልጥ ኢኻ።

ጕብዝና/ጕርዝውና

ኣብ እዋን ጕብዝና/ጕርዝውና ኣካላት ካብ ናይ ቈልዓ ናብ ናይ በጽሒ ሰብ ይምዕብል። ንኣብነት ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ጸጉሪ ይበቁልን ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዝያዳ ክትሓስብ ትጅምርን። ኣዋልድ ናይ መጀምርታ ጽግያተን ይርኣየን፡ ኣወዳት ድማ ንመጀመርታ ግዜ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ የፍስሱ። እዚ ጓለንስተይቲ ክትጠንስ ትኽእል ወዲ ተባዕታይ ድማ ከጥንስ ይኽእል ማለት እዩ። ኣብዛ ፊልም ኣብ እዋን ጕብዝና/ጕርዝውና ኣካላትን ስሚዒታትን ብኸመይ ከም ዝቀያየሩን ሕቶታት ወይ ሓሳባት ምስ ዝህልወካ ምስ መን ክትራኸብ ከም እትኽእልን ክትፈልጥ ኢኻ።

ንጽፈ ጽግያት

ጓለንስተይቲ ጻግነ ምምጻእ ምስ ኣቋረጻን ካብኡ ንደሓር ጥንሲ ክትሕዝ ዘይትኽለሉን ዘሎ እዋን፡ ንጽፈ ጽግያት ይብሃል። ኣብዛ ፊልም ኣብ እዋን ንጽፈ ጽግያት ኣብ ኣካላትን ጠባይን እንታይ ከም ዘጋጥም ክትፈልጢ ኢኺ። ከምኡ’ውን ነቶም ዝውቱራት ጸገማት ንኣብነት ብዙሕ ምስ ትርህጺ ወይ ርሕምኺ ዝነቐጸ ኾይኑ ምስ ዝስምዓኪ ከመይ ጌርኪ ከተዐግስዮምን ክትከናኸንዮምን ከም ትኽእሊ ኣፍልጦ ክትረኽቢ ኢኺ።

ሕማማት ወሲብ

ኣብዛ ብዛዕባ ሕማማት ወሲብ እትገልጽ ፊልም፡ ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ክመሓላለፉ ዝኽእሉ ንኣብነት ከም ክላሚድያ፡ ሀርፐስን ኤች.ኣይ.ቪን ዝኣመሰሉ ሕማማት ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ። ዝተፈላለዩ ሕማማት ከመይ ገይሮም ከም ዝመሓላለፉን፡ ኮንዶም ተጠቂምካ ንነብስኻ ከመይ ጌርካ ከም ትከላኸለላን እውን ክትፈልጥ ኢኻ። ከምኡ’ውን ሕማም ወሲብ ከይህልወካ ንምምርማር ምስ መን ርክብ ከም ትገብር ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ።

ጾታዊ ድልየትን ምድሳትን

እዛ ብዛዕባ ጾታዊ ድልየትን ምድሳትን ትገልጽ ፊልም፡ ብዛዕባ ምስ ካልኦት ብሓባር ከመይ ገርካ ደስ ዝብል ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከም እትኽእል እያ። ብዛዕባ ጉድበን ንምትንካፍ ስሚዒታውያን ዝኾኑ ካልኦት ክፋላት ኣካላት ኣየኖት ምዃኖምን ክትምሃር ኢኻ። ከመይ ገርካ ግብረ ሕቡእ ከም ትገብርን ምስ ነብስኻ ጾታዊ ርክብ ትፍጽምን እውን ክትፈልጥ ኢኻ።

ጾታዊ ርክብ ከቘንዙ ከሎ

እዛ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከቘንዙ ከሎ እትገልጽ ፊልም፡ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዘቘንዙ እንተ ኾይኑ እንታይ ክትገብሪ ከም እትኽእሊ እትገልጽ እያ። ከም’ውን መበገሲ ናይቲ ቃንዛ ንኣብነት ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ስለ ዘይትደልዪ ወይ ስሚዒትኪ ኣጸቢቝ ስለ ዘይተላዕለን ዘይጠለልክን ድዩ ካልእ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጢ ኢኺ። ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ከም ዘቘንዙ ዝገብሩ ሕማማት እውን ኣለዉ እዮም።

ገራዚቶ

ኣብዛ ብዛዕባ ገራዚቶ እትገልጽ ፊልም፡ ክፍተት ርሕሚ ከመይ ከም ዝመስል ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ። ንኽፍተት ርሕሚ ዝሽፍን ዝኾነ ኣካለ ድንግልና ዝብሃል የለን። ነቲ ናይ ርሕሚ ክፍተት ኣብ ክንድኡ ገራዚቶ ኢልና ኢና ንጽውዖ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጾታዊ ርክብ እትፍጽምሉ ትደምዪ ኢኺ ዝብሃል ሓቂ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ጾታዊ ርክብ ዝፈጸምክን ዘይፈጸምክን ኣብ ርሕሚ ክርኣ ኣይከኣልን እዩ።

ግዝረት

ግዝረት ወይ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ፡ ናይ ሓንቲ ጓል ወይ ሰበይቲ ክፋል ብልዕቲ ቆሪጽካ ምእላይ ወይ ምጕዳእ ማለት እዩ። እዚ ኣብ ሽወደን ይዅን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ክልኩል እዩ። ኣብዛ ፊልም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነት ግዝረትን እቲ ከስዕቦ ዝኽእል ዓይነት ጸገማትን ብዝያዳ ክትፈልጢ ኢኺ። ብተወሰኺ ናይ ግዝረት ግዳይ ንዝኾንኪ ሓገዝ ንምርካብ ምስ መን ክትራኸቢ ከም ትኽእሊ እውን ክትፈልጢ ኢኺ።

ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ጭቈናን ዓመጽን

እዛ ብዛዕባ ክብሪ እትገልጽ ፊልም፡ ብዛዕባ ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ጭቈናን ዓመጽን እትገልጽ እያ። እዚ መቕርብ ወይ ኣባላት ስድራ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ኣካላት፡ ጾታውነትን ህይወትን ምስ ዝውስኑ እዩ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ብምፍርራሕ፡ ሓይሊን ምግዳድን እዩ ዝትግበር። እዚ ማለት ምስ ዝደለኽዮ ሰብ ዝምድና ክትፈጥሪ፡ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ከም ትደልዪ ወይ ትፍጽሚ ኣይፍቀደክን ማለት እዩ። ከምኡ’ውን ናይ ሽወደን ሕጊ እንታይ ከም ዝብልን ሓገዝ ንምርካብ ምስ መን ክትራኸቢ ከም ትኽእሊን ክትፈልጢ ኢኺ።

ጾታዊ ዓመጽ

ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ብዘይድልየቱ ዝኾነ ጾታዊ ነገር ምግባር፡ ንኣብነት ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ማለት እዩ። ኣብዛ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ እትገልጽ ፊልም ኣብ እዋን ዓመጽን ድሕሪኡን ከመይ ግብረ መልሲ ክትገብሪ ከም ትኽእሊን ግዳይ ዓመጽ እንተ ኾንኪ ምስ መን ክትራኸቢ ከም ትኽእሊን ክትፈልጢ ክትኽእሊ ኢኺ። ከምኡ’ውን ናይ ሽወደን ሕጊ እንታይ ከም ዝብል ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ።